ኮሮና-ቫይረስ
ኣብዚ ዓምዲ እዚ ኣገዳሲ ዝኾነ ሓበሬታ ብዛዕባ ኮሮና-ቫይረስን ኩነታት ኣብ በርንን ትረኽቡ [ትግሪኛ]። ሓበሬታ
ኮርና-ቪሩስ: ህሉው ኩነታት
ኣገዳሲ ሓበሬታ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ኮሮናቫይረስ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ሕጋጋት ኣደብን ጽሬትን።
ብዝተኻለ መጠን ኩሉ ኣብ ገዛ ክጸንሕ ኣገዳሲ ይኾውን። ኣኼባታትን ዝተፈላለዩ መደባትን ገና እጉዳት ኮይኖም ይጸንሑ፣ ርሕቀት ምሕላውን ናይ ጽሬት መምርሕታትን ናይ ግድን ብጥብቒ ክኽበሩ ይግባእ። ምፍካስ እገዳታት ብዘየገድስ እዞም ተጠቂሶም ዘለዉ መምርሕታት ብምትግባርኩምን ኣብ ምግታእ ምብዛሕ ኮርና-ቪሩስ ኣብ ከተማ በርን ብምትሕብባርኩም ነመስግነኩም።
ንነብስኹም ተኸላኸሉ!
ብዛዕባ ኮሮና-ቪሩስ ሕቶ ኣለኒ። እንታይ ክገብር ኣለኒ?
- ምንስትሪ ጥዕና
- ምኽር ብዛዕባ ኮሮና-ቪሩስ: ቴሌ. +41 58 463 00 00
- ተወሳኺ ሓበሬታ ብጀርመን: www.bag-coronavirus.ch
ሰዓል፣ ረስኒ ኣለኒን ብሓፈሽኡ ድማ ዝሓመምኩ ኮይነ ይስመዓኒ። እንታይ ክገብር ኣለኒ?
- Coronavirus-Check
- ኣብ ገዛኹም ጽንሑ።
- ንሓኪምኩም ደውሉሉ።
- እንተድኣ ናይ ገዛ-ሓኪም ዘየብልኩም ኾይኑ ናብ ሆስፒታል ደውሉ: ኢንሰል ሆስፒታል ቴሌ. +41 31 632 24 02
ምርካብ ምስ ምምሕዳር ከተማ
ምምሕዳር ከተማ ንዓኹም ኣገልግሎት ንክህብ ድሉው ኣሎ። ምስ ምምሕዳር ብተሌፎን ወይ ድማ ብኢ-መይል ተራኸቡ።
ክልተ ንዓኹም ኣገደስቲ ዝኾኑ ኣድራሻታት:
- Fachstelle für Migrations- und Rassismusfragen: ቴሌ. +41 31 321 72 00; fmr@bern.ch
- ኣይንቦነርዲንስት፣ ምግራሲዮን ኡንድ ፍረምደንፖሊሳይ EMF: ቴሌ. +41 31 321 53 00
ስራሕን ገዘባዊ ሓገዝን
ብሰንኪ ቕልውላው ናይ ኮሮና ስራሕኩም ተሰናኺሉ ድዩ?
- ወሃቢ ስራሕኩም ን ኩርስ-ኣርባይት (Kurzarbeit) ከመለክት ይኽእል እዩ። ሓበሬታ ካብ ወሃቢ ስራሕኩም ርኸቡ።
- ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበር ኡንያ (UNIA) ብዛዕባ ሓበሬታ ንሰራሕተኛታት ብ (እስፓኛ፣ ፖርትጋል፣ ኣልባኒያ፣ ሰርቢያ፣ ኤንግሊሽ፣ ፈረንሳ፣ ጣልያን፣ ጀርመን)፣ ንካልኦት ቓንቓታት ብጀርመን] የዳሉ።
ናይ ስንብታ ካብ ስራሕ መጺእኩም? ስራሕ የብልኩምን?
- ንክሊላዊ ናይ ስራሕ መሰላሰሊ ክፍሊ ራፍ (RAV) ደውሉ: ቦታ በርን.
ናይ ገንዘባዊ ጸግም ኣጋጢምኩም?
- ናብ ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኸተማ በርን ኣመልክቱ: ቴሌ. +41 31 321 60 27
ወናኒ ትካል ኢኹምን ትካልኩም ግዳይ ኮሮናን ኾይኑ?
ቑጠባዊ ክፍሊ በርን ንዓኹም ዝኸውን ሓበሬታት ኣብዚ [ትግሪኛ፣ እንተዘይሃሊዩ፣ ጀርመን] ኣዳሊልኩም ኣሎ።
ካብ ናብ ስዊትዘርላንድ ምግዓዝ
እዋናዊ ሓበሬታ ካብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ፈደራላዊ በዓል መዚ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ኤደኣ (EDA) ትረኽቡ።
ንናይ መንበሪ ወይ ድማ ቆዋሚ መንበር ፈቓድ ዝምልከት ሕቶታት ኣለኩም ድዩ?
ን ኣይንቦነርዲንስት፣ ምግራሲዮን ኡንድ ፍረምደንፖሊሳይ ደውሉ: ቴሌ. +41 321 53 00
ኣብ ስዊትዘርላንድ በጻሕቲ ወይ ቱሪስት ኢኹምን ናብ ቦታኩም ክትምለሱ ኣይከኣልኩምን?
ሓበሬታ ብዛዕባ ናትኩም ቪዛ ኣብ ኣይንቦነርዲንስት፣ ምግራሲዮን ኡንድ ፍረምደንፖሊሳይ
EMF ትረኽቡ።
ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት
ንመዓልታዊ ናብራ ምስ ኮሮና
-
Newsletter-Archiv (ብጀርመን)
- ኢሳ ፋኽሽተለ ሚግራሲዮን: ምኽሪ ናይ ምውህሃድን ስደትን ብዘይ ክፍሊት፣ ምስ ኮሮና ከይተረፈ ዝተሓሓዝን : ቴሌ +41 31 310 12 72
- ንመዓልታዊ ናብራ ብዝምልከት ኣብዚ መርበብ-ሓበሬታ www.dureschnufe.ch ምኽርታት ይርከብ። እቶም ኣርእስትታት ድማ ጽሙዋ፣ ሆም-ኦፊስ፣ ዘይምርድዳእ ኣብ ስድራ፣ ወልፊን ካለኦትን እዩም።
ንወልዲ
- ንትሕቲ 5 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑ ብዝምልከት ሙተር ኡንድ ፋተርበራቱንግ ምኽሪ ይህብ: ቴሌ. +41 31 552 16 16 (ክፍሊት ኸም ናይ ገዛ ቴሌፎን)።
- ንቆልዑ (ብተወሳኺ ንወለዲ ድማ) ሽል ሶሺያል ኣርባይት ንትምህርቲ ዝምልከት ምኽሪ ይህብ።
- ስጋብ 16 ዓመት ዕድመ ቆልዓ ንዘለዎም ወልዲ ኣፕሊካሽን (App) Parentu ሓበሬታ ይልግስ። እዚ ሓበሬታ ድማ ብ[ትግሪኛ] ይርከብ። ኣንድሮይድ ወይ ኣይፎን (ብዘይ ክፍሊት)።
- ናይ ሓደጋ ጻዊዕት ንወልዲ: 24 ሰዓት ሓገዝን ምኽርን ንወልዲን ንተወሳኺ ቀረባ ሰባትን: ቴሌ. +41 848 35 45 55 (24 ሰዓታት, 365 መዓልታት ኣብ ዓመት፣ ክፍሊት ኸም ናይ ገዛ ቴሌፎን)
ንኣሸጋሪ ዝኾነ ናይ ስድራ-ኩነታት
- ፋራቢና– ናይ ምኽሪ ማእከል ንካብ ክልተ ዜግነት ዘለዎም መጻምድትን ስድራን: ቴሌ. +41 31 381 27 01
- ምኽሪ ንሰብ-ሓዳርን ስድራን በርን: ቴሌ +41 31 312 10 66
- ናይ ሓበሬታ ወረቐት ንደቒ-ተባዕትዮ ብ [ትግሪኛ] ይርከብ።
ዓመጽ ኣብ ገዛ
- ማእከል ዓመጽ ኣብ ገዛ ናይ ኸተማ በርን ካብ ክፍሊት ነጻ ዝኾነ ናይ ምኽርን ሓገዝን ኣገልግሎት ይህብ: ቴሌ. +41 31 321 63 02
- ተወሳኺ ሓገዝቲ ዝኾኑ ኣድራሻታት ኣብዚ ትረክቡ መርበብ ሓበሬታ ናይ ፈደራላዊ መንግስቲ።
ስነ-ኣእሙራዊ ጸገማት ምስ ዘጋጥም
- ዳርገቦተነ ሃንድ በርን – እንተ ድኣ ምስ ዝኾነ ሰብ ክትዛረቡ እንተደሊኩም: ቴሌ. 143 (24 ሰዓታት፣ 365 መዓልታት፣ ብስቱር፣ ብዘይ ክፍሊት)
- ናይ ስነ-ኣእሙራዊ ሓደጋ: ክሪዘን ኢተርቨንሲዮን ሰንትሩም ቴሌ. +41 31 632 88 11 (365 መዓልታት፣ ኣብ ናይ ቤት-ጽሕፈት ሰዓታት፣ ክፍሊት ኸም ናይ ገዛ ቴሌፎን)
መንበሪ ፈቓድ ዘይብሎም
- ናይ ምኽሪ ማእከል ንመንበሪ ፈቓድ ዘይብሎም: ቴሌ. +41 31 382 00 15
ሓገዝ ኣብ ከባቢ ጎረባብቲ
ሓገዝ ትደሊዩ?
- ሰባት ክዕድግልኩም ወይ ናብ ፖስታ ቤት-ጽሕፈት ክወስድልኩም ትደሊዩ? ኣብ ናይ ከተማ በርን ናይ ኮሮና መርበብ-ሓበሬታ ኡንተርስቱትዙንግ ኣንገቦት ትረኽቡ።
ንውልቐ-ሰባት ክትሕግዙ ትደሊዩ?
- ኸም ወለንተኛ ንካልእ ሰብ ክትሕግዙ ትክእሉ።. ኣብ ናይ ከተማ በርን ናይ ኮሮና መርበብ-ሓበሬታ ሓበሬታ ትረኽቡ።
ሓገዝ ንወለዲ ኣብ ናይ ራሕቂ-ትምህርቲ
ሹል-ሶሺያል-ኣርባይት ናይ ከተማ በርን
ንስኹም ወይ ድማ ውላድኩም ብዘሎ ኩንታት ናይ ራሕቂ-ትምህርትን ምዕጻው ቤት-ትምህርትን ተጸጊምኩም
ኣለኹም? ሹል-ሶሽያል-ኣርባይት ናይ ከተማ በርን ክሕግዘኩምን ምኽሪ ክህበኩምን ድሉው እዩ።
ኣብዚ እዋን እዚ ሰራሕተኛታት ናይ ሹል-ሶሺያል-ኣርባይት ኣብ ገዛ ኾይኖም ስለ ዝሰርሑ ብኢ-መይል፣ ተለፎን ወይ ድማ ብዩገንድ-ኣፕ ክትረኽብዎም ትኽእሉ። ናይ ቤት-ትምህርቲ ዝሕተት ሰብ እንተዘይፈሊጥኩሞ ኣብዚ ፈትሹ።
ሄክስ
ትካል ሄክስ ብናይ ቪዲዮ-ምዝርራብ ኣቢሉ ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ይህብ። እዚ ኣገልግሎት እዚ ንኣብ እዋን ኮሮና-ቕልውላው ናይ ርሑቕ-ትምህርቲ ንዝገብሩን ህጹጽ ሓገዝ ንዝደልዩ ተመሃሮ ናይ ቀዳማይ ስጋብ ሻዱሻይ ክፍሊ ኣብ ከተማ በርን ዝተዳለወ እዩ። እዚ ኣገልግሎት ንወለዲ ብዘይ ክፍሊት ይወሃብ።
ኣብዚ ሓበሬታን ኣድራሻታትን ይርከብ።
Downloads
Titel | Bearbeitet |
---|---|
Informationen auf Tigrinya (PDF, 1.3 MB) | 27.10.2020 |