Navigieren auf Tür an Tür

Benutzerspezifische Werkzeuge

Content navigation

ጎነጽ ኣብ እንዳ ጎረባብቲ?

ትብዓት ኣርእዩ፣ ርኣዩ! እስኹም ክትፍጽሙ ትኽእሉ።

Tür an Tür (ገዛ ገዛ)። ብሓባር ኣንጻር ዘቤታዊ ጎነጽ ኣብ እንዳ ጎረባብቲ።

ጎነጽ ኣብ እንዳ ጎረባብቲ፧

ኣብ እንዳ ጎረቤትኩም ጎነጽ ኣሎ ኢልኩም ትጥርጥሩ ኢኹም፧ እንታይ ክትገብሩ ከም እትኽእሉ፣ ካብ ክፍሊት ነጻን ምስጢራዊን ምኽሪ ርኸቡ። Fachstelle Häusliche Gewalt (ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ዘቤታዊ ጎነጽ ከተማ በርን)፥ +41 31 321 63 02።

ምስ ተርጎምቲ እውን ብሓባር ንሰርሕ ኢና።

ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ኣብዝሕ ኣቢልኩም ፍለጡ ከምኡ ድማ እስኹም ኣንጻር ዘቤታዊ ጎነጽ እንታይ ክትገብሩ ከም እትኽእሉ ፍለጡ። ኣብ ምዕራብ በርን ምስ ዘለዉ ኣዕሩኽኩም መሓዙትኩም ጎረባብትኹም ወይ ድማ መሳርሕትኹም ብሓባር ኲንኩም ኣብ መጽናዕቲ ብዛዕባ ዘቤታዊ ጎነጽ ተሳተፉ። ሓበሬታ ርኸቡ: ዓውደ መጽናዕቲ

Bild Legende:

Download

ንፖሊስ ስልኪ እንተደዊለ፣ እንታይ ይግበር?

ኣብ ኣማኸርቲ ቤት ጽሕፈት ስልኪ እንተደዊለ፣ እንታይ ይግበር?

Weitere Informationen.

ጎነጽ ኣብ ስድራቤት?

ክንሕግዘኩም ንኽእል ኢና። ካብ ክፍሊት ነጻን ብምስጢርን

Fachstelle Häusliche Gewalt (ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ዘቤታዊ ጎነጽ)

+41 31 321 63 02 (እዋን ስራሕ)

Beratungsstelle Opferhilfe Bern (ቤት ጽሕፈት ኣማኸርቲ ሓገዝ ንግዳያት በርን)

+41 31 370 30 70 (እዋን ስራሕ)

AppElle (ኣፕኤለ) – ህጹጽ መስመር መዕቆቢ ደቀንስትዮ

+41 31 533 03 03 (24/7)

Die Dargebotene Hand (እቲ ዝተዘርግሔ ኢድ)

143 (24/7)

ኣብ ህጽጹ ጉዳይ

ፖሊስ: 117 

ጎነጸኛ ኔርካዶ ሕጂ ከኣ ገለ ነገር ክትቅይር ትደሊዶ?

Fachstelle Gewalt Bern ( ቤት ጽሕፈት ሰብ ሙያ ጎነጽ በርን)

+41 76 576 57 65

መደብ ትምህርቲ ኣንጻር ጎነጽ ኣብ ሓዳር፣ ስድራቤትን መጻምድን

+41 79 308 84 05

Fusszeile