Navigieren auf Stadt Bern

Benutzerspezifische Werkzeuge

Content navigation

ቆልዑን ስድራቤትን

ናይ ቆልዓ ክንክን ትደልዩዶ? ኣብ ከተማ በርን ንቆልዑን ስድራቤትን እንታይ ቀረባት ኣሎ? ኣብዚ ገጽ ሓበሬታት ብዛዕባ እዘን ኣርእስታት ትረኽቡ።

ክንክን ቆልዑ

እንታይ ናይ ቆልዑ ምእላይ ኣማራጺታት ንቆልዓይ ኣሎ?

  • ዝተፈላለየ ናይ ቆልዑ ምእላይ ቀረባት ኣሎ: መውዓሊ (Kitas) ንንኣሽቱ ቆልዑ፣ መዓልታዊ መእለዪን ናይ ዕረፍቲ እዋን መኣለዪ ንቆልዑ ቤት ትምህርቲ፣ መዓልታዊ ዝኣልዩ ስድራቤታት ንኹሉ ዕድመ ቆልዑ። ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ከተማ በርን ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ምእላይ ቆልዑ ትረኽቡ። (DE, EN)

ናይ ቆልዑ መውዓሊ ኣብ ቀረባይ ከመይ ገይረ ክረክብ ኣኽእል?

ጥዕና

ናይ ቆልዑ ሓኪም ኣበይ እረክብ?

  • ኣብ doctorfmh.ch ንሓንቲ ቋንቋኹም ትዛረብ ሓኪም/ሓደ ቋንቋኹም ዝዛረብ ሓኪም ክትረኽቡ ትኽእሉ። (DE, FR, IT, EN)
  • ናይ ሓኪም ቆጸራ ኣለኩም ከምኡ እውን ትርጉም የድልየኩም እዩ? ናይ ዝተፈላለየ ባህሊ ተርጎምቲ ኣለዉ። ተወሳኺ ሓበሬታት ብዛዕባ ናይ ከባቢ ማእከል ኣራኸብቲ ናይ ካንቶን በርን ኣብዚ ክትረኽቡ ትኽእሉ ናይ ተርጎምቲ መርበብ ሓበሬታ። (DE)

ምኽርን ምእላይን

ንስድራቤትን ወለድን ኣማኸርቲ ኣበይ ክረክብ እኽእል?

  • እቲ ናይ ኣደን ኣቦን ኣማኸርቲ ነቶም ኣብ ሞንጎ 0 ን 5 ዓመትን ዘለዉ ቆልዑ ወለዲ ናይ ውልቂን ጉጅለን ምኽሪ ከምኡ እውን ኮርስ ይቕርብ እዩ። (DE, FR)
  • ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ከተማ በርን ሓደ ሊስታ ናይቶም ብሕቶታት መጻምድቲ፣ ስድራቤት፣ ኣተዓባብያ፣ ናይ ስድራቤት ዓይነታትን ኣብ ህጹጽ ጉዳያትን ክሕግዙ ዝኽእሉ ናይ ኣማኸርቲ ማእከል ትረኽቡ። (DE)

ስፖርትን ምንቅስቓስን

ስፖርትን ምንቅስቓስን ጥዕና ኣዩ። ብፍላይ ድማ ንቆልዑ። ንዓበይቲ ኣንስትን ሰብኡትን እውን ከምኡ። ኣብ በርን ብዙሕ ቀረባት ኣሎ። ብዙሓት ካብዚኣተን ኣይክፈለንን ኣዩ ወይ ድማ ቁሩብ ይኽፈለን።

ኣብ ዝስዕብ ሓበሬታ ርኸቡ መርበብ ሓበሬታ ናይ ስፖርት ቤት ጽሕፈት። ወይ ከኣ ስልኪ ደዉሉልና። ክንሕግዘኩም ንሕጎስ ኢና! ተሌ. 031 321 67 40 (ጀርመንኛ)

ተወሳኺ ሓበሬታ

  • ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ከተማ በርን ቀረባት ንስድራቤት ትረኽቡ። (DE)
  • ካንቶን በርን ተወሰኽቲ ሓበሬታ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ኣብ Hallo-Bern.ch. ይቕርብ እዩ። ምስኡ ዝካተት ሓበሬታ ብዛዕባ መሰልን ግቡእን ወለዲ፣ ብዛዕባ ግርጭትን ቆልዑ ምእላይን እዩ።

Weitere Informationen.

Fusszeile