Navigieren auf Stadt Bern

Benutzerspezifische Werkzeuge

Content navigation

ኢንሹራንስን ማሕበራዊ ውሕስነትን

ማሕበራዊ ውሕስነት እንታይ እዩ? ብዛዕብኡ እንታይ ክፈልጥ ኣለኒ? ኣብዚ ገጽ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ስዊዘርላንድ ማህበራዊ ውሕስነት ስርዓት፣ ኣገደስቲ ኢንሹራንሳትን ማእከል ኣማኸርትን ትረኽቡ።

ማሕበራዊ ውሕስነት ኣብ ስዊዘርላንድ እንታይ የካትት?

ካንቶን በርን ሓበሬታት ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ኣብ ዝስዕብ ይቕርብ እዩ Hallo-Bern.ch.

ኣየኖት ኢንሹራንሳት ኣለዋ? ነየነይቲ ኣነ ክኣቱ ኣለኒ?

  • ካንቶን በርን ሓበሬታት ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ኣብ ዝስዕብ ይቕርብ እዩ Hallo-Bern.ch.
  • ኣብ ከተማ በርን ዲኹም ወይስ ኣብ ኦስተርሙንዲገን ትነብሩ? ብዛዕባ ናይ ማሕበራዊ ውሕስነት ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ንከተማ በርን ክትውከሱ ትኽእሉ። (DE)
  • ኣገዳሲ! ኣብ ስዊዘርላንድ ትነብሩ እንተ ዂንኩም፣ ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ክህልወኩም ኣለዎ። ናብ ሃገር ምስ ኣተኹም ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዘይመልኤ እዋን ክትምዝገቡ ኣለኩም። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ዝስዕብ ትረኽቡ Hallo-Bern.ch.
  • ሓደ ኣገዳሲ ኢንሹራንስ ናይ ሓላፍነት ኢንሹራንስ እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ዝስዕብ ትረኽቡ Hallo-Bern.ch.

ፕሬሚየም ምሕሳር ኣንታይ እዩ? ከመይ ገይረ ፕሬሚየም ምሕሳር ክረክብ እኽእል?

ውሑድ ገንዘብ ዘለዎም ሰባት ሕሱር ኢንሹራንስ ጥዕና ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ «ፕሬሚየም ምሕሳር» ተባሂሉ ኣዩ ዝጽዋዕ። ብዛዕባዚ ሓበሬታ ኣብ ዝስዕብ ትረኽቡ መርበብ ሓበሬታ ናይ ካንቶን በርን። (DE, FR)

ማሕበራዊ ረድኤት እንታይ እዩ? እቲ ማሕበራዊ ረድኤት ኣብ ናተይ ናይ መንበሪ ፍቓድ ደርጃ እንታይ ጽልዋ ኣለዎ?

  • ማሕበራዊ ረድኤት ነቶም ንዕለታዊ ጉዳያት እኩል ገንዘብ ንዘይብሎም ሰባት ይሕግዝ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ዝስዕብ ትረኽቡ Hallo-Bern.ch.
  • ከተማ በርን ብሓደ ብብዙሕ ቋንቋ ብዝተጻሕፈ ጥራዝ፣ ማሕበራዊ ረድኤት ከመይ ከም ዝሰርሕ የብርህ እዩ። ነዚ ጥራዝ ኣብ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ማሕበራዊ ረድኤት ናይ ከተማ በርን ትረኽቡ።

ምኽሪ ኣበይ እረክብ?

  • እቲ Isa ማእከል ሰብ ሙያ ኢምግሬሽን ብብዙሕ ቋንቋ የማኽረኩም እዩ። ሓበሬታ ብጀርመንኛ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ናይ isa ትረኽቡ።

Weitere Informationen.

Fusszeile