Navigieren auf Stadt Bern

Benutzerspezifische Werkzeuge

Content navigation

ቁጠባ

ብከመይን ኣበይን እየ ግብሪ ዝኸፍል? ከመይ ገይረ ሕሱር ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ክረክብ እኽእል ወይ ድማ ሕሱር ኮርስ ጀርመንኛ? ኣብዚ ገጽ ሓበሬታ ብዛዕባ እዘን ኣርእስታት ትረኽቡ።

ብኸመይን ኣበይን እየ ግብሪ ዝኸፍል?

  • ካንቶን በርን ብብዙሕ ቋንቋታት ነቲ ናይ ግብሪ ስርዓት ኣብ ዝስዕብ የብርህ Hallo-Bern.ch.
  • ኣብ ch.ch ሓበሬታት ብዛዕባ ኣርእስታት መጸባጸቢ ግብሪ፣ ዓይነታት ግብሪ፣ ጥሮታን ዕዳን ትረኽቡ። (DE)

ከመይ ገይረ ሕሱር ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ክረክብ እኽእል?

ከመይ ገይረ ንናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ምጉዳል ክፍሊት ክረክብ እኽእል (Prämienverbilligung)?

  • ውሑድ ገንዘብ ዘለዎም ሰባት ሕሱር ኢንሹራንስ ክረኽቡ ይኽእሉ። እዚ ከምዚ ተባሂሉ ይጽዋዕ «Prämienverbilligung» ሓበሬታ ብዛዕባዚ ኣብዚ ርኸቡ መርበብ ሓበሬታ ናይ ካንቶን በርን (DE, FR)

ንኮርስ ጀርመንኛ ኣበይ ገንዘብ ክረክብ እኽእል?

  • ከተማ በርን ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ መኽፈሊ ወረቐት ይዕድል እዩ፣ ብእኡ ጌርኩም ነቲ ናይ ጀርመንኛ ኮርስ ክትከፍሉ ትኽእሉ። ዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ትረኽቡ መርበብ ሓበሬታ ናይ DeutschBon (DE).
  • ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከባቢ በርን ሓደ ሊስታ ናይ ነጻ ወይ ድማ ሕሱር ዋጋ ኮርስ ጀርመንኛ ኣብ ከባቢ በርን ኣለዋ። (DE)

Weitere Informationen.

Fusszeile