Navigieren auf Stadt Bern

Benutzerspezifische Werkzeuge

Content navigation

ዑቕባ

ናብ ስዊዘርላንድ ዝተሰደድኩም ዲኹም? ሓበሬታ ትደልዩ ዲኹም? ኣብ ስዊዘርላንድ ክትሰርሑ ትደልዩ ዲኹም? ስድራ ቤትኩም ናብ ስዊዘርላንድ ከተምጽኡ ትደልዩ ዲኹም? ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ሓበሬታ ትረኽቡ።

ብዛዕባ ናይ ዑቕባ ኣገባብ ከመይ ገይረ ሓበሬታ ክረክብ እኽእል?

• እቲ Schweizerische Flüchtlingshilfe (SFH) ብዛዕባ ኣገባብ ዑቕባ ሓበሬታ ይህብ። (DE, FR, EN)

ኣብ ስዊዘርላንድ ክሰርሕ ይፍቀድ ድዩ?

  • ካንቶን በርን ሓበሬታት ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ኣብ ዝስዕብ ይቕርብ እዩ Hallo-Bern.ch
  • ሓበሬታት ብዛዕባ ኣገባብ ዑቕባ፣ ምድላይ ስራሕ፣ መንበሪ ፍቓድ ምውጻእ፣ ኮርስ ቋንቋን ካልኦት ሓበሬታትን ኣብ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ካንቶን በርን ትረኽቡ። (DE, FR)

ኣየናይ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት እዩ ንዓይ ሓላፍነት ዘለዎ?

  • ንምምካርን ንምድጋፍን ነቶም ዑቕባ ሓተትቲ ካብ ከተማ በርን እዚ Asylsozialdienst ናይ ከተማ በርን እዩ ሓላፍነት ዘለዎ። (DE)

ኣብ ናይ ዑቕባ ኣገባብ መን እዩ ዘማኽረንን ዝውክለንን?

  • እቲ Rechtsberatungsstelle für Menschen in Not ንሓተቲ ዑቕባን ነቶም ውሑድ ገንዘብ ዘለዎም ሰባትን፣ ካብ ክፍሊት ነጻ ዝኾነ ሕጋዊ ሓገዝ ይቕርብ እዩ። (DE, FR)

Weitere Informationen.

Fusszeile