Navigieren auf Stadt Bern

Benutzerspezifische Werkzeuge

Content navigation

ጥዕና

ናይ ስዊዘርላንድ ናይ ጥዕና ስርዓት ከመይ እዩ ዝሰርሕ? እስኹም ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ትደልዩዶ ኣለኹም? ነቲ ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ንምኽፋል ቁጠባዊ ሓገዝ የድልየኩምዶ? ቋንቋኹም ትዛረብ ሃንቲ ሓኪም ክትረኽቡዶ ትደልዩ? ኣብዚ ገጽ ሃበሬታት ብዛዕባ እዘን ኣርእስታት ትረኽቡ።

ሓፈሻዊ ሓበሬታት ብዛዕባ ጥዕናን ብዛዕባ ናይ ስዊዘርላንድ ስርዓት ጥዕናን

ናይ ስዊዘርላንድ ናይ ጥዕና ስርዓት ከመይ ኣዩ ዝሰርሕ?

ብዛዕባ ኣርእስቲ ጥዕና ነተን ኣገደስቲ ሓበሬታት ኣበይ ክረክብ እኽእል?

  • ካንቶን በርን ሓበሬታት ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ኣብ ዝስዕብ ይቕርብ እዩ Hallo-Bern.ch.
  • ናይ በርን ጥዕና ብዛዕባ ዝተፈላለያ ኣርእስታት ከም እኒ ጥዕና ምክንኻንን ምክልኻልን፣ ወልፊ፣ ወሲባዊ ጥዕናን ጭንቀትን ሓበሬታ ይህብ ከምኡ እውን የማኽርን። (DE, FR)
  • ናይ ጥዕና ሓበሬታት ናይ ስዊዘርላንዳዊ ቀይሕ መስቀል ብዝተፈላለያ ቋንቋታት ኣብዚ ትረኽቡ migesplus.ch

ናይ ጥዕና ኢንሹራንስን ኢንሹራንስን

ከመይን ኣበይን ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ክኣቱ እኽእል?

ከመይ ገይረ ሕሱር ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ እረክብ?

ናይ ሓደጋ ኢንሹራንስ የድልየኩም ድዩ?

  • ኣብ ሰሙን ብዉሑዱ 8 ሰዓት ብመሃያ ትሰርሑ እንተዂንኩም፣ እታ ኣስራሒትኩም ወይ እቲ ኣስራሒኹም ንዓኹም ናይ ሓደጋ ኢንሹራንስ ይኣቱ። እስኹም መሃያ ዝኽፈሎ ስራሕ ዘይትሰርሑ ኣንተዂንኩም ወይ ድማ ካብ 8 ሰዓት ኣብ ሰሙን ንታሕቲ ትሰርሑ እንተዂንኩም፣ ባዕልኹም ናይ ሓደጋ ኢንሹራንስ ክትኣትዉ ኣለኩም። እቲ ፌድራላዊ ቤት ጽሕፈት ጥዕና BAG ብዛዕብኡ ሓበሬታ ይህበኩም ኣዩ። (DE, FR, IT, EN)

ከመይ ገይረ ንናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ምሕሳር ክረክብ እኽእል (ፕሬሚየም ምሕሳር)?

  • ውሑድ ገንዘብ ዘለዎም ሰባት ሕሱር ኢንሹራንስ ጥዕና ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ «ፕሬሚየም ምሕሳር» ተባሂሉ ኣዩ ዝጽዋዕ። ብዛዕባዚ ሓበሬታ ኣብ ዝስዕብ ትረኽቡ መርበብ ሓበሬታ ናይ ካንቶን በርን። (DE, FR)

ሕክምናዊ ሓገዝን ህጹጽ ከነታትን

ሓኪም ስድራ ወይ ድማ ሓኪም ቆልዑ ኣበይ እረክብ?

  • ኣብ doctorfmh.ch ሓንቲ ቋንቋኹም ትዛረብ ሓኪም ወይ ሓደ ቋንቋኹም ዝዛረብ ሓኪም ክትረኽቡ ትኽእሉ። (DE, FR, IT, EN)
  • ናይ ሓኪም ቆጸራ ኣለኩም ከምኡ እውን ትርጉም የድልየኩም እዩ? ናይ ዝተፈላለየ ባህሊ ተርጎምቲ ኣለዉ። ተወሳኺ ሓበሬታት ብዛዕባ ናይ ከባቢ ማእከል ኣራኸብቲ ናይ ካንቶን በርን ኣብዚ ክትረኽቡ ትኽእሉ። Interpret-መርበብ ሓበሬታ (DE)

ናይ ሕክምናዊ ህጹጽ ጉዳይ ምስ ዘጋጥም መን ይሕግዘኒ?

ኣገልግሎታት ጥዕና ኣብ ከተማ በርን

ኣብ ናይ ጥሮታ ዕድመ ንዘለዉ ኣረገውቲ እንታይ ናይ ደገፍ ቀረባት ኣሎ?

ቤት ትምህርቲ እንታይ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ትቕርብ?

Weitere Informationen.

Fusszeile