Navigieren auf Stadt Bern

Benutzerspezifische Werkzeuge

Content navigation

ስራሕን ምዕባለ ሙያን

ሓደ ስራሕ ትደልዩዶ ኣለኹም? መቐጸልታ ትምህርቲ ክትምሃሩ ደሊኹም? ኣብዚ ገጽ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣርእስታት ስራሕ፣ ስራሕ ምድላይን መቐጸልታ ትምህርቲን ትረኽቡ።

ብዘለኒ መንበሪ ፈቓድ ክሰርሕ እኽእል ድየ?

  • ካንቶን በርን ሓበሬታ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ኣብዚ ይቕርብ እዩ Hallo-Bern.ch.

  • ብዛዕባ ናይ መንበሪ ፈቓዳት B፣ C፣ L፣ F፣ N ከምኡ ድማ ንኻልኦት ናይ መንበሪ ፍቓዳት ዝምልከታ ተደጋጊመን ንዝሕተት ሕቶታት መልሲ ኣብዚ ናይ ሃገር ሰክረተሪ ንስደተኛታት ትረኽቡ SEM. (DE, EN, FR, IT)

ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ምህላዉ ከመይ እፈልጥ?

  • ሓበሬታት ብዛዕባ ምድላይ ስራሕን ብዛዕባ ኣርእስቲ ስራሕ ኣብ ስዊዘርላንድን ኣብዚ ትረኽቡ Berufsberatung.ch (DE, FR, IT, RM).
  • ክፉት ቦታ ስራሕ ኣብ ኢንተርኔት ብዛዕባ ሓፈሻዊ መድለዪ ማሽን ወይ ድማ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣስራሕቲ ትረኽቡ። ኣብዚ ሓደ ሓደ ምሳለታት ናይ ስራሕ መሳኹቲ ኣለዋ:

መስኮት ስራሕ ምምሕዳር:

መስኮት ስራሕ ናይቶም ዝዓበዩ ውልቃዊ ትካላት ኣብ ከተማ በርን:

ሓደ ስራሕ ንኽደሊ፣ መን እዩ ዝሕግዘኒ?

• ናይ ሙያ ኣማኸርትን ሓበሬታን ማእከል ናይ ካንቶን በርን (BIZ-በርን) ንዓኹም ንሕቶታት ሙያ፣ ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲን ምዕባለ ሙያን ዝምልከታ ምኽሪ ይልግስ እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ናይ BIZ Bern ትረኽቡ። (DE, FR)

• እቲ Isa ማእከል ሰብ ሙያ ንስደተኛታት ብብዙሕ ቋንቋታት ብዛዕባ ኣርእስቲ ስራሕ የማኽር እዩ። ሓበሬታ ብጀርመንኛ ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ናይ isa ትረኽቡ።

• ከተማ በርን ሓደ ናይ ሞያዊ ስርዓት መርበብ ነቶም ብቕዓት ዘለወንን ዘለዎምን ስደተኛታት ኣለዎ። እዚ Bernetz ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሓበሬታ ኣብዚ ዝስዕብ Bernetz- መርበብ ሓበሬታ ትረኽቡ። (DE)

• እተን ድርጅታት HEKS (DE, FR, EN) ባኒ ንኹሉ (HEKS) ከምኡ ድማ cfd ነቶም ብቕዓት ዘለወንን ዘለዎምን ስደተኛታት ስራሕ ክደልዩ ከለዉ ዝሕግዝ፣ መደባት ይቕርቡ እዮም። ሓበሬታ ብጀርመንኛ ኣብ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ናይ HEKS ከምኡ ከኣ መርበብ ሓበሬታ ናይ cfd (DE).

ነቲ ዲፕሎማይ ከመይ ገይረ ንስዊዘርላንድ ተቐባላይ ከግብሮ እኽእል?

  • ካንቶን በርን ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ሓበሬታ ኣብዚ ይቕርብ እዩ Hallo-Bern.ch.
  • ናይ ሃገር ሰክረተሪ ንትምህርቲ፣ መጽናዕቲን ምምሕያሽን (SBFI) እዩ ንናይ ወጻኢ ሃገር ዲፕሎም ተቐባልነት ሓላፍነት ኣለዎ። ሓበሬታ ኣብ ዝስዕብ ትረኽቡ SBFI-መርበብ ሓበሬታ። (DE, FR, EN, IT)
  • ንናይ ዩኒቨርሲቲ ዲፕሎም ተቐባልነት ንምውሃብ Swissuniversities እየን ሓላፍነት ዘለወን። ሓበሬታ ኣብ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ Swissuniversities ትረኽቡ። (DE, FR, EN, IT)

ከመይ ገይረ ሓደ ትካል ክምስርት እኽእል?

  • ሓበሬታትን ግብራዊ ምኽርን ብዛዕባ ብነፍስኻ ምሕዳር ኣብ ትሕቲ ዝስዕብ ትረኽቡ ch.ch. (DE, FR, IT, RM, EN)
  • ካንቶን በርን ሓበሬታት ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ኣብ ዝስዕብ ይቕርብ እዩ Hallo-Bern.ch.

ትምህርቲን ቀጻላይ ትምህርቲን

ትምህርቲ ልምዲ፣ ትምህርቲ ሙያ ወይ ድማ መቐጸልታ ትምህርቲ ኣበይ እረክብ?

  • ሓበሬታት ብዛዕባ ትምህርቲ ሙያን መቐጸልታ ትምህርትን ኣብ ዝስዕብ ትረኽቡ berufsberatung.ch (DE, FR, IT, RM).
  • ሓበሬታት ብዛዕባ ስርዓት ትምህርቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝስዕብ ናትና ገጽ ትረኽቡ ቤት ትምህርትን ኣስተምህሮን

Weitere Informationen.

Fusszeile