Navigieren auf Stadt Bern

Benutzerspezifische Werkzeuge

Content navigation

ቤት ትምህርትን ትምህርቲን

ኣብ ስዊዘርላንድ ቤት ትምህርቲ ከመይ እዩ ዝሰርሕ? ናይ ቤት ትምህርቲ ማሕበራዊ ስራሕ እንታይ እዩ? ከመይ ገይረ ዝሰማማዓኒ ትምህርቲ ሙያ ወይ ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ እረክብ? ኣብዚ ገጽ ሓበሬታት ብዛዕባ እዘን ኣርእስታት ትረኽቡ።

ስርዓት ትምህርቲ

ንቆልዓይ ኣበይ እየ ንቤት ትምህርቲ ዘመዝግቦ?

  • ኣብ ከተማ በርን ትነብሩ እንተዂንኩም፣ ንቆልዓኹም ንመዋእለ ሕጻናት ከምኡ ድማ ንቤት ትምህርቲ (1. ክሳብ 9. ክፍሊ) ኣብ ቤት ጽሕፈት ቤት ትምህርቲ ከተመዝግቡ ትኽእሉ። (DE)
  • ካንቶን በርን ብዛዕባ እዘን ኣርእስታት ሓበሬታ ኣብ Hallo-Bern.ch ይቕርብ እዩ።

ኣብ ከተማ በርን እቲ ቤት ትምህርቲ ከመይ እዩ ዝዋደድ?

  • ካንቶን በርን ብዛዕባ እዘን ኣርእስታት ሓበሬታ ብብዙሕ ቋንቋ ይቕርብ እዩ።

ቆልዓይ ዉሑድ ወይ ድማ ምንም ጀርመንኛ ኣይዛረብን እዩ። ከመይ ገይሩ ጀርመንኛ ክመሃር ይኽእል?

  • «ቅድሚ መዋእለ ሕጻናት ጀርመንኛ ምምሃር» ናይ ከተማ በርን መተባብዒ ቀረብ እዩ። እዚ ነቶም ቅድሚ ቤት ትምህርቲ ንዘለዉ፣ እሞ ቁሩብ ወይ ምንም ጀርመንኛ ንዘይክእሉ ቆልዑ ዝዓለመ እዩ። ሓበሬታት ኣብዚ Primano-መርበብ ሓበሬታ ትረኽቡ። (DE)
  • እታ ከተማ በርን ነቶም ቁሩብ ጥራሕ ወይ ድማ ምንም ቋንቋ ጀርመንኛ ንዘይክእሉ ቆልዑን መንእሰያትን ዓሚቕ ኮርስ ቋንቋ ትቕርብ እያ። (DE)

ቆልዓይ ካብ ጀርመንኛ ዝተፈለየ ቋንቋ ይዛረብ እዩ። ከመይ ገይሩ ነዚ ቋንቋ ከመሓይሾ ይኽእል?

ኣነ ተወሳኺ ሕቶ ብዛዕባ ኣርእስታት ትምህርቲን ቤት ትምህርቲን ኣለኒ። ናበይ ክውከስ እኽእል?

  • ኣብዚ Hallo-Bern.ch ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣርእስቲ ቤት ትምህርቲን ትምህርቲን ትረኽቡ።

ድሕሪ ግቡእ እዋን ትምህርቲ

ቆልዓይ ድሕሪ እቲ ግቡእ እዋን ትምህርቲ እንታይ ናይ ትምህርቲ ኣጋጣሚታት ኣለዎ?

  • ድሕሪ እቲ ግቡእ እዋን ትምህርቲ እቶም መንእሰያት ዝተፈላለየ ናይ ትምህርቲ ኣጋጣሚታት ኣለዎም። ቆልዓኹም ኣብ ስዊዘርላንድ ሓዲሽ ዝነብር ዘሎ እንተኾይኑ ከምኡ ድማ ካብ 14 ዓመት ንላዕሊ እንተኾይኑ፣ ንምሳለ ኣብ መሰጋገሪ ቀረብ ክሳተፍ ይኽእል ኣዩ። እዚ መሰጋገሪ ቀረባት፣ ነቶም ግቡእ እዋን ትምህርቲ ዝወድኡን ክሳብ እቲ እዋን ሓደ ናይ ትምህርቲ ቦታ ዘይረኸቡን መንእሰያት እዩ።
  • ሓፈሻዊ ሓበሬታት ብዛዕባ መሰጋገሪ ቐረባት ኣብዚ ትረኽቡ ከተማ በርን መርበብ ሓበሬታ (DE) ወይ ድማ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ናይ ካንቶን በርን። (DE, FR)
  • ካንቶን በርን ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ኣብ Hallo-Bern.ch ይቕርብ እዩ።

ተወሳኺ ሕቶ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ዘለኩም እንተኾይኑ፣ ናብ እቲ ማእከል ኣማኸርቲ ተወከሱ፣ ከም እኒ Fachstelle für Migrations- und Rassismusfragen ናይ ከተማ በርን ወይ ድማ isa Bern

ኮለጃት፣ ዩኒቨርሲታትን ዲፕሎም ተቐባልነት ምርካብን

ሓበሬታ ብዛዕባ ዩኒቨርሲታትን ቴክኒካዊ ኮለጃትን ኣብ ስዊዘርላንድ ኣበይ ክረክብ እኽእል?

  • ካንቶን በርን ተወሳኺ ሓበሬታት ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ኣብ ዝስዕብ ይቕርብ እዩ Hallo-Bern.ch.

ኣነ ናብ ስዊዘርላንድ ዝተሰደድኩ እየ። ኣብ ናይ ስዊዘርላንድ ዩኒቨርሲቲ ክመሃር ይፍቀደኒ ድዩ?

መሃያ ተመሃሮ እንታይ እዩ ከመይ ገይረኸ ነዚ ከመልክት እኽእል?

መሃያ ተመሃሮ ነቶም ክመሃሩ ዝደልዩ ውልቀሰባት ቁጠባዊ ሓገዝ እዩ። ንሓደ መሃያ ተመሃሮ ዝቕበሉ እቶም ናይ መጀመርታ ትምህርቶም ዝገብሩ ጥራሕ ክኽዕኑ ከለዉ ከምኡ ድማ ካብ ካልእ ናይ ኤውሮጳ ሃገራት ናብ ስዊዘርላንድ ዝመጹ፣ ወይ ድማ ካብ ካልእ ሳልሳይ ሃገር ዝመጹን ብውሑዱ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ሃገር ዝነበሩን እዮም።

ነቲ ናተይ ዲፕሎም ኣበይ ተቐባልነት ከም ዝረክብ እገብር?

  • ካንቶን በርን ተወሳኺ ሓበሬታት ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ኣብ ዝስዕብ ይቕርብ እዩ Hallo-Bern.ch.
  • ናይ ሃገር ሰክረተሪ ንትምህርቲ፣ መጽናዕቲን ምምሕያሽን (SBFI) ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ፣ ናይ ወጻኢ ሃገር ዲፕሎም ከመይ ተቐባልነት ከም ዝረኽቡ የብርህ እዩ። (DE, FR, IT, EN)

Weitere Informationen.

Fusszeile