Navigieren auf Stadt Bern

Benutzerspezifische Werkzeuge

Content navigation

ጀርመንና ምምሃር

ኮርስ ጀርመንኛ ትደልዩ ኣለኹም? ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ሓበሬታ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ትረኽቡ።

ስዊዘርላንድ ኣርባዕተ ናይ ሃገር ቋንቋታት ኣለዋ: ጀርመንኛ፣ ፈረንሳይኛ፣ ቋንቋ ጥልያንን ሮቶርማኒክን። እንግሊዝኛ እውን ብዙሕ ይዝረብ እዩ። ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ናይ ስዊዘርላንድ ኮንፌደሬሽን ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ቋንቋታትን ላህጃታትን ናይ ሃገር።

ሰርቲፊኬትን ምኽፋልን

ዶችቦን - ንናይ ጀርመንኛ ኮርስ መኽፈሊ ወረቐት

  • ከተማ በርን ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ መኽፈሊ ወረቐት ይዕድል እዩ፣ ብእኡ ጌርኩም ነቲ ናይ ጀርመንኛ ኮርስ ክትከፍሉ ትኽእሉ። ዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ትረኽቡ መርበብ ሓበሬታ ናይ DeutschBon (DE).

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ቋንቋ ሰርቲፊኬት ከምኡ ድማ ኣከፋፍላኡ ክረክብ ኣኽእል?

  • ካንቶን በርን ሓበሬታት ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ኣብዝስዕብ ይቕርብ Hallo-Bern.ch.
  • ውሑድ ገንዘብ ዘለዎም ሰባት ሓደ KulturLegi ይቕበሉ እዮም። በዚ KulturLegi እስኹም ካብ 30 ካብ ሚእቲ ዝኸውን ዝሐሰረ ክፍሊት ኣብ ብዙሕ ናይ ባህላዊ፣ ስፖርታዊ፣ ናይ ዕረፍቲ እዋንን- ትምህርታዊ ቀረባትን (ናይ ቋንቋ ኮርስ ሓዊሱ) ኣብ ካንቶን በርን ከምኡ እውን ኣብ ሙሉእ ስዊዘርላንድ ክትጥቀሙ ትኽእሉ። (DE, FR)

ኮርስ ጀርመንኛ ምድላይ

ኮርስ ጀርመንኛ ኣበይ ክደሊ እኽእል?

  • ከተማ በርን ንወለድን ዕድሜኦም ንቤት ትምህርቲ ዘይበጽሑ ቆልዑን በቲ ሙኪ-ኮርስ ጀርመንኛ ብሓባር ጀርመንኛ ንኽመሃሩ ይቕርብ እዩ።
  • «ቅድሚ መዋእለ ሕጻናት ጀርመንኛ ምምሃር» ናይ ከተማ በርን መተባብዒ ቀረብ እዩ። እዚ ነቶም ቅድሚ ቤት ትምህርቲ ንዘለዉ፣ እሞ ቁሩብ ወይ ምንም ጀርመንኛ ንዘይክእሉ ቆልዑ ዝዓለመ እዩ። ሓበሬታት ኣብዚ መርበብ ገጽ Primano (DE).
  • እታ ከተማ በርን ነቶም ቁሩብ ጥራሕ ወይ ድማ ምንም ቋንቋ ጀርመንኛ ንዘይክእሉ ቆልዑን መንእሰያትን ዓሚቕ ኮርስ ቋንቋ ትቕርብ እያ። (DE)

ካብ ክፍሊት ነጻ ወይ ድማ ሕሱር ኮርስ ጀርመንኛ ኣበይ ክረክብ እኽእል?

  • ከተማ በርን ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ መኽፈሊ ወረቐት ይዕድል እዩ፣ ብእኡ ጌርኩም ነቲ ናይ ጀርመንኛ ኮርስ ክትከፍሉ ትኽእሉ። ዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ትረኽቡ መርበብ ሓበሬታ ናይ DeutschBon.
  • ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከባቢ በርን ሓደ ሊስታ ናይ ነጻ ወይ ድማ ሕሱር ዋጋ ኮርስ ጀርመንኛ ኣብ ከባቢ በርን ኣለዋ። (DE)

ፈተና ቋንቋን ደረጃ ቋንቋን

ንመንበሪ ፍቓደይ ኣየናይ ናይ ቋንቋ ሰርቲፊኬት እዩ ዘድልየኒ?

  • እስኹም ነቲ fide-Test ክትወስዱ ትኽእሉ። እዚ fide-Test ሓደ ናይ ቋንቋ ፈተና እዩ፣ እዚ ከኣ ነቲ ናይ ቋንቋ ብቕዓት ኣብ ዕለትዊ ናብራ ስዊዘርላንድ ዝፍትን እዩ። ሓበሬታ ኣብዚ fide መርበብ ሓበሬታ ትረኽቡ። (DE, FR, IT, EN)
  • ሓበሬታ ብዛዕባ ካልኦት ናይ ቋንቋ ሰርቲፊኬታት ኣብዚ fide መርበብ ሓበሬታ ትረኽቡ። (DE, FR, IT, EN)
  • ናይ መንበሪ ፍቓድኩም ንኽተናውሑ ሓደ ናይ ቋንቋ ሰርቲፊኬት የድልየኩም ድዩ? ናይ ሃገር ሰክረተሪ ንስደተኛታት SEM ነየናይ ናይ ቋንቋ ደረጃ ነዚ ከም ዘድልየኩም ይሕብረኩም ኣዩ። (DE, FR, IT, EN)

Weitere Informationen.

Fusszeile