Navigieren auf Stadt Bern

Benutzerspezifische Werkzeuge

Content navigation

መንበሪ፣ ግዜ ዕረፍቲ፣ ተንቀሳቓስነት

መንበሪ ገዛ ትደልዩ ኣለኹም? ገዛ ክትቅይሩ ደሊኹም? ንስዊዘርላንድ ሓደ መምርሒ ፍቓድ ትደልዩ ኣለኹም? ንግዜ ዕረፍቲ እንታይ ዓይነት ቀረባት ከም ዘሎ ክትፈልጡዶ ትደልዩ? ኣብዚ ገጽ ሃበሬታ ብዛዕባ እዘን ኣርእስታት ትረኽቡ።

መንበሪ

ኣነ ሕጂ እየ ናብ ከተማ በርን ቀዪረ። ኣበይ ክምዝገብ ኣለኒ?

መንበሪ ገዛ ኣበይ ክደሊ እኽእል?


ብናይ ኮምፑተር-መስመር ቀረባት መንበሪ ገዛ ንምሳለ በዚኤን:

እንታይ ኢንሹራንስ ንመንበሪ ገዛ ወይ ገዛይ የድልየኒ?

  • ብሓደ ውልቃዊ ናይ ሓላፍነት ኢንሹራንስ ኣብ ናይ ቁጠባዊ ጸገማት ካብ ምእታው ትከላኸሉ። ተወሳኺ ሓበረታ ኣብ ናይ ካንቶናዊ ገጽ Hallo-Bern.ch ትረኽቡ።

ከም መጠን ተኻራዪ እንታይ እየን ናተን መሰላትን ግቡኣትን?

  • ካንቶን በርን ሓበሬታት ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ኣብ ዝስዕብ ይቕርብ Hallo-Bern.ch። ኣብዚ ዝካተት እውን ሓበሬታ ብዛዕባ ውዕል ኪራይን፣ እስኹም ሓደ መንበሪ ገዛ ምስ ትካረዩ ዘለኩም መሰልኩምን ግቡእኩምን።

ኣበይን ከመይን እዩ ርስሓት ዝጎሓፍ?

  • ከተማ በርን ብዛዕባ መዓስን ኣበይን ከም ዝጎሓፍን ከምኡ ድማ ንዳግማይ ኣብ ስራሕ ክውዕል ከም ዝኽእልን ይሕብር እዩ። (DE)

ንመንበሪ ገዛይ ከመይ እየ ብትኽክል ዘናፍስ?

ኣነ ገና ሕቶ ኣለኒ። ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ኣርእስቲ ምንባር ክረክብ እኽእል?

  • እቲ መደብ «ሰላም ጎረቤት!» ሓፈሻዊ ሕግታት ብዛዕባ ብሓባር ምንባር ብብዙሕ ቋንቋ ተርጒሙዎ ኣሎ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ከተማ በርን ትረኽቡ።
  • ካንቶን በርን ሓበሬታት ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ኣብ ዝስዕብ ይቕርብ እዩ Hallo-Bern.ch። ኣብዚ ዝካተት እውን ሓበሬታ ብዛዕባ ምንባር፣ ናይ ራድዮን ተሌቪጅንን ግብሪ (SERAFE) ከምኡ እውን ርርስሓት ምጉሓፍ እዩ።

ተንቀሳቓስነት

ናይ ህዝቢ መመላለሲ ከመይ እዩ ዝሰርሕ?

  • ኣብዚ Bernmobil መርበብ ሓበሬታ ሓበሬታ ብዛዕባ ሰሌዳ ጊዜ መጎዓዚያ ኣብ ከተማ በርን ትረኽቡ። (DE, FR, EN)
  • እቲ LIBERO መርበብ ዋጋ ቲኬታት፣ ናይ ዓሚል ቲኬትን ናይ መዓልቲ ቲኬትን ኣብ ውሽጢ ካንቶን በርን ይቕርብ እዩ። (DE, FR)
  • ሓፈሻዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ቲኬታትን ናይ ዓሚል ቲኬትን ከምኡ እውን ሃገራዊን ዓለምለኻዊን ሰሌዳ ጊዜ ጉዕዞ ኣብዚ ኣሎ SBB - መርበብ ሓበሬታ። (DE, FR, IT, EN)

ነቲ ናይ ወጻእተኛ መምርሒ ፍቓደይ ክሳብ መዓስ እየ ክሕዞ ዝኽእል?

  • እስኹም መምርሒ ፍቓድ ካብ ሓደ ካልእ ናይ ወጻኢ ሃገር ኣለኩም? በዚ መምርሒ ፍቓድ ኣብ ስዊዘርላንድ እንተ ነውሐ ንዓሰርተ ኣዋርሕ ኢኹም ክትመርሑ ትኽእሉ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ትረኽቡ ቤት ጽሕፈት መጎዓዚያ ምድሪ ናይ ካንቶን በርን። (DE, FR)

ንመምርሒ ፍቓደይ ኣበይ ከቐይሮ እኽእል?

ነቲ ናይ ወጻኢ ሃገር መምርሒ ፍቓድኩም ከተቐይሩ እንተ ደሊኹም፣ እስኹም ነቲ መመልከቲኹምን ኣድለይቲ ዝኾና ሰነዳትን ሒዝኩም ብኣካል ክትቀርቡ ኣለኩም። ሰለስተ ኣማራጺታት ኣለኩም:

ካንቶን በርን ተወሳኺ ሓበሬታት ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ኣብ ዝስዕብ ይቕርብ እዩ Hallo-Bern.ch.

ኣብ በርን ምንባር

ተወሳኺ ሓበሬታት ብዛዕባ ናይ ኣዋን ዕረፍቲ ተግባራት ኣብዚ ከተማ ኣበይ ክረክብ እኽእል?

  • በርን ሓንቲ ንእሽተይ፣ ግን ዉዕዉዕቲ ከተማ ኣያ። ነተን ፓርክታት፣ ዕዳጋታት፣ መጻወቲ ቦታታት፣ ናይ እዋን ዕረፍትን- ስፖርት ቀረባትን ካልኦት ውራያትን ብጽሕዎ - ካብ ክፍሊት ነጻን ሑሱር ቀረባትን እውን - ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ናይ ከተማ በርን (DE)
  • ዉሑድ ገንዘብ ዘለዎም ሰባት KulturLegi ክቕበሉ ይኽእሉ እዮም። በዚ KulturLegi እስኹም ክሳብ 30 ካብ ሚእቲ ዝኸውን ዝሐሰረ ክፍሊት ኣብ ብዙሕ ናይ ባህላዊ፣ ስፖርታዊ፣ ናይ ዕረፍቲ እዋንን- ትምህርታዊ ቀረባትን ኣብ ካንቶን በርን ከምኡ እውን ኣብ ሙሉእ ስዊዘርላንድ ክትጥቀሙ ትኽእሉ። (DE, FR)

Weitere Informationen.

Fusszeile