Navigieren auf Stadt Bern

Benutzerspezifische Werkzeuge

Content navigation

መሰል

ኣብ ስዊዘርላንድ እንታይ መሰልን ግቡእን ከም ዘለኩም ክትፈልጡዶ ትደልዩ? ኣብዚ ገጽ ኣገደስቲ ዝኾና ኣድራሻታትን ማእከል ኣማኸርትን ብዛዕባ ኣርእስታት ምንባር፣ ዜግነት ምውሳድ፣ ስድራቤት ምምጻእ፣ መርዓን ካብ ኣድልዎ ምክልኻል ተርኒፍና ኣዳሊና ኣለና።

ምቕማጥ

እንታይ ዓይነት ናይ መንበሪ ፍቓዳት (ወረቐት መንነት) ኣሎ? በዚ ኣነ ዝቕበሎ ወረቐት መንነት፣ እንታይ መሰል ኣለኒ?

  • ካንቶን በርን ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ሓበሬታ ኣብ ዝስዕብ ይቕርብ እዩ Hallo-Bern.ch.

ዜግነት ምውሳድን ስድራቤት ምምጻእን

ከመይ ገይረ ዜጋ ሃገር ክኸውን እኽእል?

ሓበሬታትን መራኸቢ ማእከልን ኣብዘን ዝስዕባ መርበብ ሓበሬታት ትረኽቡ:

ከተማ በርን (DE)
ካንቶን በርን (DE, FR)
ፌደሬሽን (DE, FR, IT, RM, EN)

ከመይ ገይረ ንስድራ ቤተይ ናብ ስዊዘርላንድ ከምጽእ እኽእል?

እስኩም ድሮ ኣብዚ ትነብሩ ኣለኹም ከምኡ ድማ ስድራ ቤትኩም ናብ ስዊዘርላንድ ከተምጽኡ ትደልዩ ኣለኹም?

ሕጋዊ ምኽሪን ናይ ስደተኛታት ሕጊን

ካብ ክፍሊት ነጻ ሕጋዊ ምኽሪ ኣበይ እረክብ?

እዘን ዝስዕባ ተቕዋማት ካብ ክፍሊት ነጻ ወይ ድማ ብዉሑድ ክፍሊት የማኽራ:

ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ናይ ከተማ በርን ሓደ ሊስታ ናይ ኩሉ ሕጋዊ ሓበሬታት ናይ ከተማ በርን ትረኽቡ።

ኣየኖት ሕግታት እየን ንዓይ ከም መጠን ወጻኣተኛ ብፍላይ ዝትንክፋኒ?

  • ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ናይ SEM መልስታት ናይተን ተደጋጊመን ዝሕተታ ሕቶታት ብዛዕባ AIG ትረኽቡ። (DE, FR, IT)

ፍሉይ ሕግታትን ካብ ኣድልዎ ምክልኻልን

ምስ ምምሕዳራት ጸገም ምስ ዘጋጥመኒ፣ ኣበይ ሓገዝ እረክብ?

እቲ Ombudsstelle ናይ ከተማ በርን ምስ ናይ ከተማ ምምሕዳር ግርጭት ምስ ዝፍጠር፣ የማኽርን ይሽምግልን እዩ። (DE)

ኣብ ልዕለይ ኣድልዎ ከጋጥመኒ ከሎ፣ ኣበይ ሓገዝ እረክብ?

ዘርአኛነት ወይ ድማ ካልእ ኣድልዎ ኣጋጢምኩምዶ? ንኻልኦት ኣድልዎ ንዘጋጠሞም ውልቀሰባት ክትሕግዙዎምዶ ትደልዩ? እዘን ዝስዕባ ማእከላት ንዓኹም ሓበሬታ ይህባኹምን የማኽራኹምን እየን:

ኣብ ጉዳያት ጥንሲ፣ መርዓን ሓዳርን እንታይ መሰላት ኣለኒ?

  • ሰራሕተኛ ኢኽን ከምኡ ድማ ኣደ ክትኮና ድኽን? ኣደታትን ጥኑሳት ኣንስትን ፍሉይ መሰል ኣለወን። • ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ናይ Familie und Quartier ናይ ከተማ በርን ሓበሬታትን ማእከል ኣማኸርትን ትረኽባ። (DE)
  • ሓበሬታት ብዛዕባ መሰላትክን ኣብ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ማሕበር ሰራሕተኛታት Unia እውን ክትረኽባ ትኻላ። (DE, FR, IT, EN)

ብዛዕባ መርዓን ሓዳርን ሕቶ ኣለኩምዶ?

  • ሓበሬታት ብዛዕባ ኣርእስቲ መርዓ ኣብ ዝስዕብ ትረኽቡ ch.ch (DE, FR, IT, RM, EN).
  • ትምርዓዉ እንተዂንኩም፣ ንመንን መዓስን፣ እስኹም ትውስኑ! ዝተፈለየ ዲኹም ትሙከሩ? ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ናይ ከተማ በርን ብዛዕባ ተገዲድካ መርዓን ግዱድ ሓዳርን ሓበሬታ ትረኽቡ። (DE)
  • ኣብ ናይ ዝተፈላለየ ዜግነት ዘለዎም ጽምዲ ዲኹም ዘለኹም? ኣብ ስዊዘርላንድ ሓዲሽ ዲኹም? Frabina ሓበሬታን ምኽርን ብዛዕባ ብሓባር ምንባር ናይ ዝተፈላለየ ዜግነትን ባህልን ዘለዎም ሰባት ብብዙሕ ቋንቋታት ይቕርብ እዩ።
  • ናይ ደቀንስትዮ ማእከል ኣማኸርቲ ኢንፍራ በርን ካብ ክፍሊት ነጻ ዝኾነ ምኽሪ ብብዙሕ ቋንቋታት ብዛዕባ ንሓዳር ዝምልከት ሕጋዊ ኣርእስታት፣ ፍትሕ፣ ናይ ሕርሲ ዕረፍቲን ሕጊ ወጻእተኛትታ ይቕርብ እዩ። (DE, FR, EN)

ጎነጽ ኣብ ስድራቤት

ኣብ ገዛ ተሞክሮ ጎነጽ ኣለኒ። ኣበይ ሓገዝ ክረክብ እኽእል?

  • ካንቶን በርን ነተን ዝተፈላለያ ማእከላት ኣማኸርቲ ኣብ ሓደ ናይ ህጹጽ ጉዳይ ካርድ ብብዙሕ ቋንቋታት ንዓኹም ተርኒፎም ኣስፊሮምልኩም ኣለዉ።
  • ሓበሬታት ብብዙሕ ቋንቋታትን ናይ ህጹጽ ጉዳይ ቁጽርታትን ኣብ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ናይ ከተማ በርን ትረኽቡ።

Weitere Informationen.

Fusszeile